#

ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ዝነበረ ሼድ ክፅገን ብምግባር ንግልጋሎት ውዒሉ፡፡

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ምስ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ብምትሕብባር ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ መዕነዋይ ኵናት ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ዝነበረ ሼድ ክፅገን ብምግባር ሎሚ ዕለት 27/12/2016 ዓ/ም ንግልጋሎት ኣውዒሉ፡፡ እዚ ልዕሊ 450,000 /ኣርባዕተ ሚእቲ ሓምሳን ሽሕ/ ብር ወፃኢ ተገይሩሉ ኣርባዕተ መስርሒ ክፍልታትን ሓደ ዓበዪ መኽዝንን/Store/ ብምሓዝ ሙሉእ ፅገንኡ ወዲኡ ንስራሕ ድልው ዝኾነ ሼድ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ክዛዘም መዓልታዊ ክትትልን ኣድላዪ ሓገዝን ዝገበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም ንዳያኑን ሰራሕተኛታትን ኣረኪቦም፡፡