#

ስነ ሰርዓት ብኽብሪ ምፍናው

ነበር ፕሬዚደንት ዶክተር ፀጋይ ብርሃነን ነበር ም/ፕሬዝደንት ኣይተ ገ/ኣምላኽ የዕብዮ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ስነ ሰርዓት ብኽብሪ ምፍናው ተጌርሎም። ።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።። እዚ ዕለት 5/11/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ ሰርዓት ዝተረኸቡ ፕሬዝደንት ላ/ቤ/ፍ ክ/ትግራይ ኣይተ መንግስቱ ተኽላይ ነቶም ብኽብሪ ዝስነዩ ዘለው ሓለፍቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ንዝነበሮም ፃንሒትን ንዝሰርሕዎም ስራሕቲ ድሕሪ ምምስጋን ንዝጀመርዎም ጥንኩራት ስራሕቲ ከምዘቐፅሉ ገሊፆም ብተመሳሳሊ ዶክተር ፀጋይ ብርሃነን ኣይተ ገ/ኣምላክ የዕብዮን ነቲ ዝተገበረሎም ናይ ክብሪ መሰነይታ ድሕሪ ምምስጋን ኣብ ቐፃሊ ውን ምስቲ ቤት ፍርዲ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።ኣብ መወዳእታ ውን ንነባራት ፕሬዚዳንት ፣ ንማእኸላይ ኣብያተ ፍርዲ፣ንላዕለዋይ ቤት ፍርድን ሓባር ኮሚቴ ኣካላት ፍትሒ ወኪሎም ዝተረኸቡ ዕዱማት ኣጋይሽ ሪኢትኦም ሂቦም። ።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።። ዳይሬክቶሬት ኮሚዩኒኬሽን ላ/ቤ/ፍርዲ ክልል ትግራይ