ሞያዊ ስልጠና
ብምትሕብባር ጀስቲስ ፎር ኦል ፕሪዝን ፎሎው ሺፕ JFA/PF/ ን ላ/ቤ/ፍርዲ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታትን ዞባታትን ንዝተውፃፅኡ ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ን2 መዓልቲ ዝፀንሕ ሞያዊ ስልጠና ተጀሚሩ።
እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ዕለት 13/12/2017ዓ/ም እናተወሃበ ዘሎ ስልጠና ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ክትዓት ብፉሉይ ዝለዓሉ መሰላት ከይዲ ፍሰቶም ኣመልኪቱ ብዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ዝወሃብ ኮይኑ ኣብቲ ስልጠና ተረኺቦም ናይቲ ዕለት ክቡር ጋሻ ኣይተ መንግስቱ ተኽላይ እቲ ስልጠና ኣብ ዘለውና ክፍተታት ብፍሰት ኣመራርሓ እንደፍነሉ ተወሳኺ ፍልጠት እንረኽበሉ ስለዝኾነ እናሰልጠናን እናተሃደስናን ካብቲ ዝሓለፈ ኵናት ብውሱን መልክዑ ስነ-ኣእምራዊ ሕውየት ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣብቲ ስልጠና ዓብዪ ጠመተ ጌርና ክንሳተፍ ይግበአና ድሕሪ ምባል JFA/PF/ ቅድሚ ኵናት ኮነ ድሐሪ ኵናት ካብ ጎንና ከይተፈለየ እናገበሮ ንዘሎ ምንቕስቓስን ደገፍን ኣቕሪቦም እዮም።