#

መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም

እቲ መድረኽ ሎሚ ዕለት 27/10/2016 ዓ/ም ዝጀመረ ኾይኑ ካብ መላእ ትግራይ ዝመፅኡ ዳያኑ፣ ሬጅስትራራት፣ ተሸወምቲ ጉባኤ፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈታት፣ ተኸላኸልቲ ጠበቓታት፣ መዳርግቲ ኣካላት፣ ነበር ፕሬዝደንታትን ም/ፕረዚደንታትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ዝተሳተፉሉ እዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ኣብ ክልልና ዘጋጠመ ፅንተታዊ ኵናት መዛግብቲ ኾነ ኢልኻ ክሳብ ምቅፃል ዝበፅሐ ዕንወት ከም ዝነበረ ብዝተገበረ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ከም ዝተረጋገፀን ብምሕባር እዚ ተግባር ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣሰርን ማህደርን ከይህሉ ንምግባርን ኣብ ስርዓት ዳይነትን ኣወሃህባ ግልጋሎት ፍትሕን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝዓለመ ምንባሩ ሓቢሮም፡፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ካብ መፋርቕ በጀት ዓመት 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ኣስታት 90 ዳያኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብዓርሰ ፍቓዶም ካብ ዳይነት ከም ዝለቐቑ ዝሓበሩ እንትኾን ምኽንያት መልቀቒኦም ንምፍላጥ መፃረይቲ ኮሚቴ ተጣይሾም መፅናዕቲ ክካየድ ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡ እቶም ቀንዲ ርካባት ምኽንያታት ምልቃቕ ዳያኑ ድማ ቑጠባውን ዘይቑጠባውን ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም እዮም፡፡ ድሕሪ ምምፃእ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ላ/ቤት ፍርዲ ፍርያት ቴክኖሎጂን ሓበሬታ ርክብን ናይ ምትእትታውን ምዝማንን ስራሕቲ (digitisation)፣ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሳለጥ ሰሙናዊ ምይይጥ ሕጊ (legal discourse)፣ ምስ ዲጂታል ትግራይ፣ ሙሁራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከቡ ግዱሳት ተጋሩን ብምትሕባር Tigray supreme court.com ዝብል ናይ ባዕሉ ድህረ-ገፅ ብዕሊ ምኽፋቱን ሓቢሮም፡፡