#

ግንዛበ መዕበይ ስልጠና

በምትሕብባር ጀስትስ ፎር ኦልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፍርዲ ንዝተውፃፅኡ ዳያኑ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ። አዚ ብዕለት 26/12/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናተወሃበ ዝርከብ ስልጠና ንተኸታታሊ ክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ስልጠና ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ዋህዚ መዛግብትን ምሕደረኦምን ኣብ ዝብሉ ርእስታት ክወሃብ እዩ።