#

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ሎሚ ዕለት 25/01/2017 ዓ/ም ገንዘባዊ ሓገዝ ንዝተረኸቡ ስድራ ስዉኣት ኣረኪቦም፡፡

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝሰርሑ ፕሬዝዳንታት፣ ዳያኑ፣ ሬጅስትራራት፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈታት፣ ተኸላኸልቲ ጠበቓታትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ሎሚ ዕለት 25/01/2017 ዓ/ም ብጅግንነት ንዝተሰውኡ መሳርሕቶም ገንዘባዊ ሓገዝ ብምውፃእ ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ንዝተረኸቡ ስድራ ስዉኣት ኣረኪቦም፡፡ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ምክትል ፕረዚደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ክቡር ኣይተ ገብረኣምላኽ የዕብዮ ኣብ ሕድ ሕድ ገዛ ዘንኳሕኮሐ ሓደጋ ህልውና ንምምካትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋፅን ናብ ቃልሲ ተፀንቢሮም ክቡር ህይወቶም ንዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ብምምስጋን ንህዝቢ ትግራይ፣ ንማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይን ንስድራ ስዉኣትን ፅንዓት ይሃብኩም እቶም እንኮን ክብርትን ህይወቶም ከይሰሰዑ ምእንተ ዓዶም ተዃሺሖም ዝሓለፉ ተምሳሌት ፅንዓትን ሓቦን ዝኾኑ ሰማእታት ሕድሮም ከይነዕብር ብመንፈስ ክንሓስቦምን ልዑል ወነ መገልገላይነትን ህዝባውነትን ክንላበስ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክ/ትግራይ ናይ እዞም ጀጋኑ ስዉኣት ኣሰር ተኸቲሉ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ዘንፀላለዉ ዘይሰገሮም ብድሆታት ብምንፃር ብሕራነ ንደበስ ፍትሒ ክቃለሰሎም ከም ዝግባእ ሓቢሮም፡፡ ንመተሓባበርቲ ኮሚቴ ምውፃእ ገንዘባዊ ሓገዝ ወኪሎም መደረ ዘስምዑ ፕሬዝደንት ወረዳ ቤት ፍርዲ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ተስፋይ ገብረመድህን ብወገኖም ክቡር ህይወቶም ዘወፈዩ 5 ዳያኑ፣ 1 ሬጅስትራር፣ 13 ሲቪል ሰራሕተኛታት ብድምር 19 ምኻኖም ብምሕባር ካብ ዕለት 19/04/2016 ዓ/ም ክሳብ 24/01/2017 ዓ/ም ብሓፈሻ 444,300.00/ኣርባዕተ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን/ ብር ብምውፃእ ንሕድ ሕድ ስድራ ስዉእ 23,384.21/ዒስራን ሰለስተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነጥቢ ዒስራን ሓደን/ ብር ከምዝበፅሖም ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ገንዘባዊ ወፈያ ካብ ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክ/ትግራይ ወፃኢ ዝተወሰኑ ነበር ፕረዚደንታትን ም/ፕረዚደንታትን፣ ጠበቃታት፣ ዓቀብቲ ሕግን ሰራሕተኛታት ባንክን ከምዝተሳተፉ ሓቢሮም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ስድራ ስዉኣት ብወገኖም ብህይወት ዝሰኣንዎም ቤተሰቦም ዳርጋ ብህይወት ከም ዝረኸብዎም ከምተሰመዖም ብምግላፅ ደቂ ስዉኣት ዝሕብሕቦም ወገን ከም ዘለዎም ምርኣዮም ዓብዪ ተስፋ ክስንቑ ከምዝገበሮም ብምግላፅ ንማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክ/ትግራይ ዘለዎም ክብርን ናእዳን ገሊፆም፡፡