ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ መድረኽ መደብ ኦሬንቴሽን 2017ዓ.ም
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ምስ ኹሎም ዳያኑ፣ ሬጅስትራራት፣ ተኸላኸልቲ ጠበቓ፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈታት ኣብያተ ፍርዲ ትግራይን ዳይሬክተራት ላ/ቤት ፍርድን መድረኽ መደብ ኦሬንቴሽን ኣሳሊጡ፡፡
ኣብዚ ካብ ዕለት 14-15 ሕዳር 2017 ዓ/ም፣ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺቦም ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ፕሬዝደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ፀጋይ ብርሃነ (ዶ/ር) “ብዙሓት ፀገማት ተፃዊርኩም ግዘኹምን ጉልበትኩምን ከይተፀባፀብኩም ኩሉ ዓይነት ማሕበራውን ቁጠባውን ፀቕጢ ኽኢልኩም ንህዝብኹም ተገልግሉ ዘለኹም ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ልቢ ከመስግነኩም ይፈቱ፤” ድሕሪ ምባል “ዋላ ኣብ ተደራራቢ ፀገም ንሃሉ፣ ዋላ'ኳ ንስራሕና ዘድልዩ መሰረታዊ እታወታት ኣይማልኡልና፤ ነዚ ከይተፀባፀብና ዝተዋሃበና ሓላፍነት ንምውፃእ ምፅዓርና ኣግባብ እዩ። ካሊእ መማረፂ ስለ ዘይብልና ፃዕርና ክነሕይል ይግባእ።” ኢሎም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዝደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ፀጋይ ብርሃነ (ዶ/ር) “ህልው ከነታት ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ” ዝብል፤ ምሁር ሕጊ መሓሪ ረዳኢ (ዶ/ር) “ኣስራሕን ሰራሕተኛን ሕጊ ኢ/ያ :ሓደ ሓደ ዛዕባታት ንሕጊ ኢህን ምሂን መልዓሊ ነጥብታት” ዝብል ምሁር ሕጊ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍሰሃ “ኩነታት ኣብያተ ፍርዲ ድሕሪ ኵናት ትግራይ” ብዝብል ኣርእስቲ ንመዛተዪ ዝኸውን ፅሑፍ ኣቕሪቦም፡፡