ንተኸታተልቲ 9 መዓልትታት ዝፀንሕ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ከተማ ውቕሮ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ማእኸለዎት ኣብያተ ፍርድን ወረዳ ኣብያተ ፍርድን ክ/ትግራይ ንዝሰርሑ በዝሖም 130 ዝኣኽሉ ሲቪል ሰራሕተኛታት ካብ ዕለት 03/05/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 9 መዓልትታት ዝፀንሕ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ከተማ ውቕሮ ሂቡ፡፡
ኣብ ምድላው ትልሚ፣ ኣፀባፅባን ኣለኣእኻን ሪፖርት ዝምልከት ካብ መሰልጠኒ ኣመራርሓ ኣካዳሚ መለስ ዜናዊ ብዝመፅኡ 2 ሰብ ሞያ ዝተውሃበ እንትኸውን ምድላው በጀት፣ ኣተሓሕዛ ሒሳብ፣ ዳህሳስ መሰረት ዝገበረ ኣጠቓቐማ ፋይናንስ፣ መምርሒ ዕደጋ፣ መምርሒ ምምሕዳር ንብረትን ምምሕዳር ሓይሊ ሰብን ድማ ብዳይሬክተራትን ሰራሕተኛታትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዝተውሃበ እዩ፡፡
ኣብቲ ስልጠና ተረኺቦም ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ም/ፕሬዝደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ኣይተ ገብረኣምላኽ የዕብዮ ንኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ድሕሪ ምምስጋን ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ መደብ ኦሬንቴሽናትን ስልጠናታትን እናተውሃቡ ከምዝመፅኡ ሓቢሮም እዚ ሕዚ ዝሳለጥ ዘሎ ስልጠናውን ናይዚ መቐፀልታ ምዃኑን ቀንዲ ትኹረት ተገይርሉ ዝወሃብ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ እቲ ስልጠና ኣብ ዝተነፀሩ ከይዲ ስራሕቲ ዝወሃብ ኾይኑ ኣብኡ ዘለዉ ፀገማት ክእለትን ኣተሓሳስባ ንምእላይ፣ ዘለዉ ሕፅረታት፣ ዘይምንባብን ዘይምውዳድን ንምቅራፍ ዝዓለመ ብምዃኑ ብኣግባቡ ተጠቐሙሉ፤ ኢሎም፡፡ ኣብ መንጎ ዳይሬክቶሬታት ላ/ቤት ፍርድን ዳይሬክተራት ማእኸላይ ኣብያተ ፍርድን ዘሎ ተዋረዳዊ ርክብ ብምጥንኻር ኣብኡ ዘለዉ ናይ ኣሰራርሓ ዘይምንባብ ክፍተት ዝቐርፍ ስልጠና ከምዝኸውን ተስፋ ይገብር፤ እዚ ስልጠና ዕንቁታት ስርዓት ዳይነት ደረጅኡ ዝሐለወ ፍትሒ ንምንጋስ ዝዓለመ ውፅኢታዊ ዝኾነ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል ከም ዝኸውን እምነት ኣለኒ ብምባል ገሊፆም፡፡
ስለጠና ምሕደራ ፋይናንስ ከም ክልልን ከም ትካልናን ዘለና ውሱን ሃፍተገነትን በጀትን ብጥንቃቐን ብትልምን ንምጥቓምን ኣርሒቅና ንእምተሉ ንምግባር፤ ኣብ ልምዓተዊ ትልሚ ዘሎ ኣደላልዋ ትልምን ፀብፃብን ንምዕራይ፣ ካብ ህዝቢ ዝርከብ በጀት ብልዑል ህዝባዊ ውግንና ንምጥቓም፤ ኣብ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዕደጋን ምሕደራ ንብረትን ዝምልከትን ኣብ ስርዓት ዕደጋ ክገጥሙ ዝኽእሉ ምግባረ ብልሹነት፣ ተግባራት ግዕዝይና ካብ ምንጮም ብምድራቕ ተቓለዓይነት ንምውጋድ፤ ዝዓበየ ሃፍተ ገነትነ ትካል ኣብ ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ዝግበር ቁፃር፣ ዕብዬት፣ ዝውውርን ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምስራሕ ብቴክኖሎጂን ሓበሬታን ዝተዓጀበ ምሕደራ ሓይሊ ሰብ ንምውናን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ምክያድ የድሊ፡፡ ኢሎም፡፡
ንስኻትኩም ፍትሒ ንዝፀምኦ ማ/ሰብና ሰብ ሓደራ ፍትሒ ኾይንኩም ልዕልና ሕጊ ተረጋግፁ ምዃንኩም ፈሊጥኹም ነዚ ዝምጥን ምንቅስቓስ ክትገብሩ የተሓሳስብ፡፡ ህዝቢ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘለዎ እምነት ክዓቢ ንምግባር እዚ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ዘሎ ስልጠና ብግቡእ ተኸታቲልኩም ድልውነትኩም ተረጋግፅሉን ተግባራዊ ትገብርሉን ስለዝኾነ ዝለዓለ ፃዕርን ተወፋይነትን ሰንቑ ኢሎም፡፡