#

ላዕለዋይ ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣብያተ ፍርዲ

ላዕለዋይ ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ካብ ለካቲት 19-20 /2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ፡፡ እቲ ኣኼባ ብቐንዱ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ኩለን ማእኸለዎት ኣብያተ ፍርድን ብዝርዝር ብምርኣይ ዝገምገመ እንትኸውን፣ ብተወሳኺ እውን ኣብ ምሕደራ በጀት ዘድሃቡ ክፍተታት፣ ብድሆታትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብምግምጋም ዝርዝር ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡