#

ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ኣይቬክስ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ቴሓር ንዝሰርሑ ሲቪል ሰራሕተኛታት ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ኣይቬክስ ሂቡ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ተረኺቦም ናይ መኽፈተ መደረ ዘስምዑ ምክትል ፕሬዝደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረኣምላኽ የዕብዮ ዓለምና በፂሓትሉ ኣብ ዘላ ዕቤት ቴክኖሎጂ ዲጂታላይዜሽን ንምብፃሕን ምስ ዓለምና ንምስጓምን ምስ እዋኑ ዝኸይድ ሞያዊ ስልጠና ምውሳድ ኣገዳሲ ይኸውን፤ ስለዚ ብዝወሃብ ስልጠና ዓቕምኹም ኣዕቢኹም ንህዝብኹም ግቡእ ግልጋሎት ከምትህቡ እምነተይ እዩ ድሕሪ ምባል ብኣመራርሓ ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዝወሃቡ ዘለዉ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢሮም፡፡ እቲ ስልጠና ብምትሕብባር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ፣ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ ዝተውሃበ እንትኸውን ኣብ ኮምፒዩተር ሶፍትዌራትን ምድላው ሪፖርትን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣብ ዘለዎ ናይ ኣይቬክስ ሲስተም ዘድሃበን ብሰብ ሞያ ፋይናንስ ዝተውሃበን እዩ፡፡