ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ
ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ምስ ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ መላእ ኣብያተ ፍርዲ ክ/ትግራይ ንዝሰርሑ በዝሖም 70 ዝበፅሑ ኣብ ዝሓለፈ ስልጠና ዘይተሳተፉ ፕሬዝደንትታት ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ፣ መተሓባበርቲ ምድብ መጋባእያታት ወረዳታትን ማእኸለዎት ኣብያተ ፍርድን ፕሬዝደንትታትን ምክትል ፕረዚደንትታትን ማእኸለዎት ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ካብ ዕለት 19/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ዝፀንሕ ስልጠና ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡
ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ናይ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ፕሬዝደንት ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ፀጋይ ብርሃነ (ዶ/ር) ኢንስቲቲዩት ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ንሬጅስትራራት፣ ንሓገዝትን ሕፁያትን ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ዳያኑን ንፕሬዝደንትታት ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ዝሃቦ ስልጠና ምንባሩ ኣዘኻኺሮም ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ስልጠና ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም፡፡
ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብያተ ፍርድታት ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ዘለናሉ እዋን ስራሕቲ ብግቡእ ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከባ ብምግላፅ ንቐፃሊ እውን ዘለዉና ማእለያ ዘይብሎም ፀገማት ተፃዊርና ሕግን ሕግን መሰረት ገይርና ብምስራሕ ዓቕምታትና ብስልጠናን ብዘተን እናማዕበልና ህዝብና ዝደልዮ ፍትሒ ብምሃብ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ክንኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡ እቲ ስልጠና ኣብ ኣመራርሓን ኣብ ምሕደራ በጀትን ዘድሃበ ምዃኑ ብምግላፅ ሰልጠንቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ መሰረት ገይሮም ሓደ ካብቲ ካሊእ ተሞክሮ ዝለዋወጥሉን ዝመሃሃርሉን ክኸውን ከም ዝግባእ ሓቢሮም፡፡
ም/ዋ/ ዳይሬክተር ኢ/ም/ስ/ፍ/ሕግን ኣግኣዚ ኣይተ ሃፍቶም ኣረጋይ ብወገኖም እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ፅንዓታትን ስልጠናታትን እናሳለጠ ምምፅኡ ሓቢሮም ንቐፃሊ እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።