ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ክ/ትግራይ ካብ ዕለት 4-5/02/2017 ዓ/ም ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ኣሳሊጡ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ በቢ ብርኩ ንዘሎ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ብዝተወሰነ መልክዑ ንምምላእ ዘኽእል ምልመላ ሕፁያት ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ዳያኑ፣ ምልመላ ውድድር ብርኪ ዕብየት ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ፕሬዝደንታት፣ ምልመላ ውድድር ብርኪ ዕብየት ማእኸላይ ኣብያተ ፍርዲ ምክትል ፕሬዝደንታት፣ ምልመላ ውድድር ብርኪ ዕብየት ሓላፊ ክፍሊ ሬጅስትራር ማእኸላይ ቤት ፍርዲ፣ ምልመላ ውድድር ብርኪ ዕብየት ፕሬዝደንት ማእኸላይ ቤት ፍርዲ፣ ዝውውር ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ዳያኑ፣ ዝውውር ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ፕሬዝደንታት፣ ዝውውር ማእኸላይ ኣብያተ ፍርዲ ምክትል ፕሬዝደንታት፣ ምደባ ሓደሽቲ ተመልመልቲ ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ዳያኑ፣ ምደባ ሓደሽቲ ተመልመልቲ ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ፕሬዝደንታት፣ ምደባ ሓደሽቲ ተመልመልቲ ሓላፊ ክፍሊ ሬጅስትራር ማእኸላይ ቤት ፍርዲ፣ ምደባ ሓደሽቲ ተመልመልቲ ምክትል ፕሬዝደንታት ማእኸላይ ኣብያተ ፍርዲ፣ ምደባ ሓዱሽ ተመልማሊ ሓላፊ ክፍሊ ሬጅስትራርን ምደባ ሓዱሽ ተመልማሊ ፕሬዝደንት ማእኸላይ ቤት ፍርድን ኣካይዱ እዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብምኽንያት ፃዕቒ ስራሕን ሕፅረት ግዘን ከይተረኣዩ ዝፀንሑ ክስታት ጉድለት ስነ-ምግባር ዳያኑን ሬጅስትራራትን ኣተኣናጊዱ ዝቐረቡ ሓፀርቲ ጥርዓናት ውሳነ ብምሃብ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡