ዶ/ር ደረጀ ደስታ ንላ/ቤት ፍርዲ ሓገዝ ገይሮም
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ዝነብሩ ግዱስ ትግራዋይ ዶ/ር ደረጀ ደስታ 3 HP, 3 WYSE ዝዓይነተን “POWER SYSTEM” ንኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ብመልክዕ ሓገዝ ኣወፍዮም፡፡
እተን ኣቑሑት ናብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ንኮንፈረንስ ብዝኸዱ መማህራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተልኣኻ ኾይነን ብዕለት 06/02/2017 ዓ/ም ናብ ላ/ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ኣታዊ ተገይረን ኣለዋ፤ ካልኦት ግዱሳት ተጋሩ እውን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከም ዝቐፅሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ፡፡
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ንዝተገበረ ሓገዝ ብሽም ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክ/ትግራይ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ሓገዝ ቐፃላይ ክኸውን ተላብዩ፡፡