ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ክልል ትግራይ ካብ 07 ክሳብ 08 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ
ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ክልል ትግራይ ካብ 07 ክሳብ 08 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዙሓት ዛዕባታት ዝተመያየጠን ዝወሰነን ኮይኑ ብዋናነት ድማ:-
1. ትልሚ ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ክልል ትግራይ 2017 ዓ.ም ተመያይጡ ኣፅዲቑ፤
2. ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ክልል ትግራይ ብዕለት 04-05 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ፤ ምደባን ዝውውርን ዳያኑን ሬጅስትራራትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝቐረቡ ጥርዓናት ዕልባት ሂቡ፤
3. ብምኽንያት ሕፅረት ግዜ እናተጓተቱ ዝፀንሑ ክስታት ጉድለት ስነ-ምግባር ዳያኑን ሬጅስትራራትን መርሚሩን ወሲኑ፤
4. ኣብ ስራሕ ዘለው ምምሕያሽ ዘድልዮም ሕግታት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ መበገሲ ሓሳባት ዘቕርቡ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኮሚቴታት ኣጣይሹ፤
5. ዝቐረቡ ውልቀ ጥርዓናት ወሲኑን እዩ፡፡
ብሓፈሻ እቲ ጉባኤ ብመንፅር ተዋሂቡዎ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነት ሐዚ ኣብዚ ትካል ዘጋጥሙ ዘለው ከበድቲ ፈተናታትን ማሕንቖታትን ኣብ ሓበራዊ ርድኢት ብምብፃሕ ክግበሩ ዝግበኦም መማረፂ መፍትሒ ሓሳባት ዘትዩን ኣንፈት ኣቐሚጡን እዩ፡፡