ንቐፃሊ ዝሓዝናዮም ናይ ለውጢ ኣጀንዳታትና ኣብ መፅናዕትን መፅናዕትን ዝተደረኹ ክኾኑ ኣለዎም፡፡
ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ፡፡
ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ ብርሃነ ሎሚ ዕለት ት 28 ሰነ 2016 ዓ/ም ቐፂሉ ኣብ ዝወዓለ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ መፃኢ ኣንፈታት ኣብ ዘነፀርሉ እዋን ብናይ ቀደም ኣከያይዳ እንዳኸድካ ዝመፅእ ለውጢ ስለ ዘይህሉ ሓዲሽ ናይ ለውጢ ኣጀንዳታት ክተኣታተዉ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡ እቲ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ካብ ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብያተ ፍርዲ ክመፅእ ከም ዘለዎን ኩሉ ድምፂ ክስማዕ ከም ዘለዎን ሓቢሮም እዮም፡፡
ናይ ለውጢ ኣጀንዳና ሰለስተ መሰረታዊ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ፤ ንሳቶም እውን:-
ስራሕትና ዘበናዊ ስርዓት ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ብምትእትታው ክስራሕ ኣለዎ፤ ቅድሚ ሕዚ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብዘይ ምስራሕና ዝኸሰርናዮም ነገራት ደጊምና ክንኸስሮም የብልናን ብምባል ነዚ ንምቕራፍ ላ/ቤት ፍርዲ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ባዕሉ ድሕረ-ገፅ (ዌብሳይት) ከም ዘተኣታተወ ገሊፆም ንቐፃሊ ዓብዪ ስራሕ ዝጠልብ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
እቲ ካልኣይ ኣኖፈት ለውጢ ኣብ ኣብያተ ፍርድታትና ምይይጥ ሕጊ (legal discourse) ብምጥንኻር ሓደሽቲ ግንዛበታት እናተኣታተውና ንኸደሉ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም፡፡ እዚ እውን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተግባራዊ ይኸውን ከም ዘሎ ብምሕባር ኣብ ኩሉ ክተኣታተው ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ሳልሳይ ኣብ ህንፀት ኣብያተ ፍርዲ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ክስራሕ ከምዘለዎገሊፆም፡፡ ዝዓነዋ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ህንፃታት ዳግመ ህንፀት ክግበረለን ከም ዘለወንን ኩሉ ክሰርሐሉ ከም ዝግባእን ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ እውን ናይ ኣብያተ ፍርዲ ለውጢ ካብ ውሽጠን ክመፅእ ከም ዘለዎ፣ ዳያኑ ሕግን ሕግን መሰረት ገይሮም ክሰርሑ ከም ዝግባእ፣ ስነ ምግባራት ዳይነት ክሕለዉ ከም ዘለዎም፣ ምስ ኣካላት ሓባር ኮሚተ ፍትሒ፣ ኣብያተ ፍርዲ ፌደራልን ክልልን እናተራኸብካ ክስራሕ ከም ዘለዎ ብምሕባር ኣብ ናፅነት ኣብያተ ፍርዲ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ዘይንደራደረሉ እዩ ብምባል ገሊፆም፡፡
ምክትል ፕረዚደን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረኣምላኽ የዕብዮ ብወገኖም ካብቶም ዝቐረቡ መፅናዕትታት 4 መሰረታዊ ነጥብታት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም፤ ንሳቶም እውን:-
ኣብ ርድኢት : ኣተረጓጉማ ሕጊ፣ ኣመዛዝና መርትዖን ኣፀሓሕፍ ፍርድን ውሳነታትን እንታይ ይመስሉ ዝብል ናብ ሕድ ሕድ መዛግብቲ ክንኣትው ንምግባር በሪ ዝኸፈተ መድረኽ ምንባሩን ካብዚ ብምብጋስ ንተወሰኽቲ ደገፍን ክትትልን ከምኡ'ውንዕምቆት ዘለዎም ስልጠናታትን ህንፀት ዓቕሚ ዳያኑን ስራሕቲ ክስራሕ ከም ዘለዎ ከም ዘመላኸተ፤
ኣብ ክሊ ናፅነት ኾይንና ግና ስነ-ምግባራዊ መትከላትናን ኣተኣላልያ መጋባእያታትናን ሕብረተሰብና ዘልዕሎም ጥርዓናትን ብውነ ክንፍትሾምን ሚዛኖም ዝስሓቱ ኣገላልፃታትን ስምዒታትን ድማ ክንእርሞምን ዝገበረ ምዃኑ፤ ፍትሒ ድምር ውፅኢት ኣካላት ፍትሒ ምዃኑ ብምሕባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብፍላይ ምስ ፖሊስን ዓቀብቲ ሕግን ቀፃልነትን ተመጋገብትን ስራሕቲ ዘድልይ ምዃኑ፤ ግቡኣት ህዝባዊ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ግልፅነት ዝተፈጠረሉ መድረኽ እዩ ዝብል ርድኢት ከም ዘለዎም ገሊፆም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣባል ዳያኑ ምምሕዳር ጉባኤ ዝኾኑ ኣይተ ብርሃኑ ኣብርሃ ብሰናይ ድሌቶም ካብቲ ስራሕ ስለ ዝተሰናበቱ ንዕዖም ንምትካእ መረፃ ተኻይዱ ዳይና ዓንዶም ሃብተስላሰ ብኣብዝሓ ድምፂ ተመሪፆም እዮም።