ታሪኽ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ
እንኳዕ ናብ መርበብ ሓበሬታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ብደሓን መጻእኩም።
ኣብያተ ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብውሑዳት ዝሰልጠኑ ሓይሊ ሰብን በጀትን ብ1985 ዓ/ም ተጣይሹ በቢ እዋኑ እናተጠናኸራን ሓደሽቲ መመሓየሽን ፕሮግራማት ቀሪፀን እናተግበራ ፤ኣወዳድበአን፤ ዝርገሐ ግልጋሎንን ሓይሊ ሰበንን እናመሓየሻ ብምምፃእ፤ በጀትነን ሓይሊሰበንን ናይ ምምሕዳር ትካለዊ ነፃነተንን ብምርግጋፅ፤ስሉጥ፤ተበፃሒ፤ፅሩይ፤ነፃነትን ተሓታትነትነ ዘረጋገፀ ግልጋሎት ዳይነት ብምሃብ ኣቢለን ኣብ ክልልና ዘተኣማምን ሰላም ፤ልዕልና ሕጊ፤ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ምረግጋፅ ግደአን እናተዋፅኣ ይርከባ ፡፡
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ትግራይ 1985 ዓ/ም ትሕቲ 10 ብዝኾኑ ዲግሪን ዲፕሎማን ንዘለዎም ደያኑን ብናይ 3 ወርሒ ስልጠና ተጀሚሩ ፡፡