ሬጂስትራር
ኣቶ ፍሱሕ ተስፋይ
ዋና ሬጅስትራር
ዋና ሬጅስትራር ንክፍሊ ሬጅስትራር ላዕለዋይ ፣ ማእኸላይን ወረዳን ብሓላፍነት ዝመርሕን ብላዕላዋይነት ዘተሓባብርን ተሸያሚ ጉባኤ ኮይኑ ተፀዋዕነቱ ንፕሬዝደንትን ምክትል ፕሬዝደንትን ኣብያተ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ እዩ ፡፡
ቀንዲ ዕላምኡ
• ናይ ተገልገልቲ መዛግብቲ ብሕግታት ስነ - ስርዓት ብምትግባር መዝገብ ናብ ዳያኑ ብምቕራብ ግልጋሎት ፍትሒ ክረክቡ ምግባር
ቀንዲ ተግባራት
-
• ዓመታዊ ትልሚ ብምድላው
-
• ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብ ትልሚ ዝተቐመጠሉ ጊዜ ናብ ፕረዚዳንትን ምክ/ፕረዚዳንት ላዕ/ቤት ፍርዲ ሪፖርት የቅርብ
-
• ሬጅስትራር ብሕግታት ስነ - ስርዓት ፍ/ሄርን ገበንን ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ቀጥታ ይኹን ይግብኣኒ ጉዳያት ቴክኒካሊ ይምርምር
-
• መዝገብ ካብ መጀመሪኡ ክኽፈት እንተሎ ቴክኒካል በቲ ስነ - ስርዓት ሕጊ ብዝእዝዞ መዝገብ ካብ ምኽፋት ጀሚሩ ክሳብ ቅዳሕ ውሳነ ንተገልገልቲ ዝወሃበሉ ዘሎ ከይዲ ስሉጥ ክኸውን ብምግባር ተበፃሓይን ስሉጥን ግልጋሎት ምሃብ ፣-
-
• መዛግብቲ ኣብ ዝተቐመጠሎም ጊዜ ዕልባት ረኺቦም ቅዳሕ ውሳነ ብእዋኑ ንተግልገልቲ ምሃብ
-
• ናይ ተገልገልቲ ወፃኢ ብምቅናስ ግልጋሎት ተ/ጠበቓን ትርጉምን ብምሃብ ፍሉይ ቱኹረት ንዘድሊዮም ቅድሚያ ሂብካ ፍርሕን ሽቑረራን ብምዉጋድ ተበፃሓይ ግልጋሎት ምሃብ ፡፡