ሬጂስትራር

Image of the Chief Registrar
ኣቶ ፍሱሕ ተስፋይ
ዋና ሬጅስትራር


ዋና ሬጅስትራር ንክፍሊ ሬጅስትራር ላዕለዋይ ፣ ማእኸላይን ወረዳን ብሓላፍነት ዝመርሕን ብላዕላዋይነት ዘተሓባብርን ተሸያሚ ጉባኤ ኮይኑ ተፀዋዕነቱ ንፕሬዝደንትን ምክትል ፕሬዝደንትን ኣብያተ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ እዩ ፡፡
ቀንዲ ዕላምኡ

• ናይ ተገልገልቲ መዛግብቲ ብሕግታት ስነ - ስርዓት ብምትግባር መዝገብ ናብ ዳያኑ ብምቕራብ ግልጋሎት ፍትሒ ክረክቡ ምግባር

ቀንዲ ተግባራት
  • • ዓመታዊ ትልሚ ብምድላው
  • • ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብ ትልሚ ዝተቐመጠሉ ጊዜ ናብ ፕረዚዳንትን ምክ/ፕረዚዳንት ላዕ/ቤት ፍርዲ ሪፖርት የቅርብ
  • • ሬጅስትራር ብሕግታት ስነ - ስርዓት ፍ/ሄርን ገበንን ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ቀጥታ ይኹን ይግብኣኒ ጉዳያት ቴክኒካሊ ይምርምር
  • • መዝገብ ካብ መጀመሪኡ ክኽፈት እንተሎ ቴክኒካል በቲ ስነ - ስርዓት ሕጊ ብዝእዝዞ መዝገብ ካብ ምኽፋት ጀሚሩ ክሳብ ቅዳሕ ውሳነ ንተገልገልቲ ዝወሃበሉ ዘሎ ከይዲ ስሉጥ ክኸውን ብምግባር ተበፃሓይን ስሉጥን ግልጋሎት ምሃብ ፣-
  • • መዛግብቲ ኣብ ዝተቐመጠሎም ጊዜ ዕልባት ረኺቦም ቅዳሕ ውሳነ ብእዋኑ ንተግልገልቲ ምሃብ
  • • ናይ ተገልገልቲ ወፃኢ ብምቅናስ ግልጋሎት ተ/ጠበቓን ትርጉምን ብምሃብ ፍሉይ ቱኹረት ንዘድሊዮም ቅድሚያ ሂብካ ፍርሕን ሽቑረራን ብምዉጋድ ተበፃሓይ ግልጋሎት ምሃብ ፡፡