Criminal Service
Image of the Civil court
ኣቶ ሰብስብ ኣባይ
መተሓባበሪ ገበን መጋባእያ


  • ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ መጋባእያታት ሓደ ገበን መጋባእያ እዩ።
    • ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ዳግም ንምድንጋግ ብዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 332/12 ዓ/ም መሰረት እቲ መጋባእያ ብኣባል ስትራተዲክ መራሕነት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኾነ መተሓባበሪ መጋባእያ እንትምራሕ፣ኣብ ትሕቲ እዚ ገበን መጋባእያ ብኣከብቲ መጋባእያ ዝምራሓ መጋባእያታትን ነተን መጋባእያታት ዝሕግዛ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣለዋ፡፡
    • እዞም ክፍልታት ነናይ ባዕሎም ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ኮይኑ ድምር ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ግልጋሎት ገበን መጋባእያ ስሉጥ፣ ፅሩይ፣ ወፃኢ ቖጣቢ፣ ተበፀሓይን ዕግበት ተገልገልቲ ዘረጋገፀን፣ ነፃነትን ተሓታትነትን ኣጣሚሩ ዝኸድ ግልጋሎት ክኸውን ምግባር እዩ፡፡
  • ገበን መጋባእያታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዘተኣናግድዎም ጉዳያት ክልተ ዓይነት ትሕዝቶ ኣለዎም።
    • ቀዳማይ ዓይነት ጉዳያት ናይ ይግበኣኒ መዛግብቲ እዮም።
    • ናይ ይግበኣኒ መዛግብቲ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ብቀዳማይ ብርኪ ስልጣኑ ዝሪኦም ክልላዊ ዋኒናት ወይ ድማ ናይ ፌዴራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ስልጣን ኮይኖም ኣብቲ ማእኸላይ ቤት ፍርድ ብውክልና ስልጣኑ ሪኡ ውሳነ ዝሃበሎም ጉዳያትን ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ካብ ወረዳ ቤት ፍርዲ ብይግብኣኒ መፂኦምሉ ዝተፈለየ ወሳነ ዝሃበሎም ክልላዊ ናይ ገበን ክትዓት ይሓውስ።
  • እቲ ካልኣይ ዓይነት ጉዳይ ድማ ቀጥታ መዛግብቲ እዮም።
    • ኣብ ገበን መጋባእያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝርኣዩ ቀጥታ ክስታት ድማ ተመሓይሹ ብዝወፀ መጣየሺ ኣዋጅ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ረፐፕሊክ ኢትዮያ ኣዋጅ ቁፅሪ 1234/2013 መሰረትን ካልኦት ኣብ ስራሕ ዘለዉ መደበኛን ሰነስርዓት ሕግታትን ፌዴራል ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዝተውሃቡ ጉዳያት ኮይኖም ብክልና ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ዝተኣገዱ እዮም።