ፋይናንስ ምምሕዳር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ኣቶ ሙሉጌታ ኣብርሃ
ዳይሬክተር ፋይናንስ ምምሕዳር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ቀንዲ ዕላምኡ
- • ሓፈሻዊ ዕላማ ዳይሬክተር ፋይናንስ ምምሕዳር ንቤት ዕዮና ጠለብ ክፍሊትን ፋይናንሻል ሪፖርትን ብምቅራብን ምስዚ ብተወሳኺ ኩለመዳይ ፍልጠት፣ ክእለትን ኣተሓሳስባን ፈፀምቲ ክዓቢ ብምግባር ልምዓታዊ ሰራዊት ኣብ ምፍጣር ዕግበት ዳይነታዊ ግልጋሎት ሕ/ሰብ ኣብ ምርግጋፅን ግቡእኻ ምውፃእ እዩ፡፡
ቀንዲ ተግባራት
-
• ዓመታዊ ትልሚ ናይቲ ከይዲ ስራሕ ምድላው፡፡
-
• ዝተሰርሑ ሰራሓቲ ናብ ፕረዚዳንት ንም/ፕረዚዳን ፀብፃብ ምቕራብ ፣
-
• ስራሕቲ ፋይናንስ፣ መምርሒ መሰረት ብምግባር ናይ ክፍሊት ስራሕቲ ምክያድ፣ ፅፉፍን ታኣማንን ፋይናንሻል ሪፖርት ምድላው
-
• ናይ ሒሳብ ሰነዳት /መዛግብቲ/ ብዝግባእ ምሓዝ፤ /ኩሎም ሒሳባት በጀትን/ንኦዲት ብዝምቹው መልክዕ ክቕመጡ ምግባር
-
• ካብ መንግስትን ገበርቲ ሰናይን ዝርከብ ሃፍቲ /ገንዘብን/ ብትልሚ መሰረት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምግባር፡፡
-
• ኩሎም ክፍሊታትነ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝዓሰሎም ብምግባር ውፅኢታውን ቕልጡፍን ግልጋሎት ብምሃብ ተገልገልቲ ዝጠለብዎም ክፍሊት ግልጋሎትን ፅሬቱ ዝሓለወ ብተመጣጣኒ ኣብ ሓፂር ጊዜ ክፍፀመሎም ምግባር