ምምሕዳር ዳያኑ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ኣቶ ፀጋይ ሃይሉ
ምምሕዳር ዳያኑ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
-
• ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ 2006 ዓ.ም ዝወፀ መጣየሺ ኣዋጅ ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ቁፅሪ 244/2006 ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ተጣይሽ ፡፡
ቀንዲ ዕላምኡ
-
• ዳይና፣ ብጉባኤ ተሓርዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዳይነት ንኽሰርሕ ብቤት ምኽሪ ሽመት ዝፀደቐሉ ይስርሕ፡፡
-
• ሬጅስትራር ብጉባኤ ተሓርዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ብረጂስትራር ንኽሰርሕ ብቤት ምኽሪ ሽመት ዝፀደቐሉ ይስርሕ፡፡
-
• ደያኑን ረጂስትራራትን ተሸየምቲ ጉባኤን ነፃነቶም ሓልዮም ኣብ ግልፅነት ዝተመስረተ ሓላፍነትን ተሓታትነት ከም ዘለዎም ፈሊጦም ግዘኣተ-ሕግን ክብሪ ህዝብን ዘረጋግፅ ዘመናዊ ግልጋሎት ንክህብ ደንቢ ኣለዎ
-
• ደያኑን ረጂስትራራትን ተሸየምቲ ጉባኤን ዓቕሚ እቶም ተዛወርቲ እናተረአየ ኣብ ዝምጥኖም ስራሕ ቦታን ብመምዳብ ውፅኢት ስራሕ ኣብያተ ፍርዲ ንምምሕያሽን ዘልዕልዎም ዝተፋላለዮ ማሕበራውን ውለቃውን ፀገማት ብምፍታሕ ውፅኢታዊ ግልጋሎት ክወሃብ ይገብር
-
• ካብ ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶን ፀቕጢ ንነፃን ሞንጎኛን ዝኾነን ተኣማኒን ስርዓት ቁፃር፣ዕቤት፣ዝውውር፣ ምደባ፣ ምልመላ፣ ውሳነ መሃያን ጥቕማጥቕሚን ዳያኑን ሬጅስትራራትን ብምርግጋፅ ኣቢልካ ልዕልነት ሕግን ሚዛን ናፅነትን ተሓታትነትን ዘረጋገፀ ውፅኢታዊ ስርዓት ኣወሃህባ ውሳነ ዳይነት ምርግጋፅ