Civil Service
Image of the Civil court
ኣቶ ተኽለ ደስታ
መተሓባበሪ ፍታብሄር መጋባእያ


  • ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብመሰረት ተመሓይሹ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣዋጅ ቁፀሪ 45/1994 ዓንቀፅ 64-1- ናይ ዳይነት ስራሕቲ ከሰርሕ ብሕጊ ስለጣን ዝተውሃቦ ትካል ኮይኑ በዚ ኣዋጅ ዓነቀፅ 65 ንኡስ 2 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይዚ ክልል ዋኒን ላዕለዋይን ናይ መወዳእታ ስልጣን ዳይነት ዘለዎ ኣካል እዩ፡፡
  • ብመሰረት ፌዴራል ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ኣዋጅ ቁፅሪ 01/1997 ዓንቀፅ ዝተውሃቦ ናይ ውክልና ስልጣን ኣብ ጉዳያት ፌዴራል ስልጣን ከፍተኛ ፍርድ ቤትን ናይ መጀመርያ ደረጃ ፍርድ ቤትን ናይ ክልልና ኣብያተ ፍርዲ ናይ ዳይነት ስልጣን ከምዘለዎ ናይ ክልልና ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 65-2-ለ ተደንጊጉ ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ናይ ዳይነት ስራሕቲ ይሰርሕ
  • ዝርዝር ስራሕቱ ድማ ብናይ ኣብያተ ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብያተ ፍርዲ መጣየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 332/2012 ዓንቀፅ ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልላይን ጉዳያት ፌደራልን ክርኢ ስልጣን ተዋሂብዎ እዩ
  • ካብዞም ስልጣን ዝተውሃቦም ጉዳያት ንምጥቃስ ዝኣክል
    • ክርክሩ ኣብ ወረዳ ኣብያተ ፍርዲ ጀሚሩ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ለውጢ ተገበረሎም ክልላዊ ዋኒናት
    • ክርክር ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ ብይግብኣኒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ክልላዊ ዋኒናት
    • ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ዓንቀፅ ብውክልና ክርኢ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ከፍተኛ ፍርድ ቤት ዝኾነ ፌዴራላዊ ዋኒናት
    • ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ስልጣን ናይ መጀመርያ ብርኪ ቤት ፍርዲ ኮይኖም ብይግብኣኒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ፌዴራላዊ ዋኒናት
    • ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ ካብ ካልኦት ውሳነ ድሕሪ ምርካቦም ናይ ሕጊ ስሕተት እንትህሊ ናይ ምርኣይ ስልጣን እንትወሃቦ
    • ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 332/2012 ዓንቀፅ 17 ቁፅሪ 5 ብይግበኣኒ ክርኢ ብካልኦት ሕግታት ስልጣን እንትወሃቦ
  • ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝረኣዩ ኩሎም ጉዳያት ብሰለስተ ዳያኑ ኮይኖም ብመሰረት ኣብያተ ፍርዲ መጣየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 332/2012 ዓንቀፅ 18 ኣብ ትርጉም ኣፈላላይ ዝስዕብ ወይ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ንኣወሃህባ ፍትሒ ፀገም ዝፈጥር ጉዳይ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተኣመነሉ ብሓሙሽተ ዳያኑ ክረአ ይግበር
  • ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ፍታብሄር ኣብ መቐለ ዝሰርሕ ኮይኑ ከከም ኩነታቱ ብተዘዋዋሪ መጋባእያን ብፕላዝማን ኣብ ዝተፈላለዩ ናቁጣታት ግልጋሎት ይህብ፡፡