Cassation Service
ኣቶ ልኡል ገ/መድህን
መተሓባበሪ ሰበር መጋባእያ
-
ሰበር ማለት ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝርከብ ናይ መወዳእታ ጥርዓን ሰማዒ መጋባእያ እዩ፡፡
እዚ መጋባእያ ዝርእዩዎም ዋኒናት ድማ ናይ መወዳእታ ዕልባት ዝረኸቡን መሰረታዊ ስሕተት ሕጊ ዝተፈፀመሎምን ክልላዊ ዋኒናት እዮም፡፡
-
መሰረታዊ ስሕተት ሕጊ ዝተፈፀመሎም ውሳነታት ዝበሃሉ:
- ኣብ መምርሒ መጋባእያ ሰበር ቁፅሪ 1/2013 ዝተቐመጡ ከም ኣብ ኣተረጓጉማ ሕጊ ዝፍፀም መሰረታዊ ግድፈት ዝተፈፀመሉ እንተኾይኑ
- ኣግባብነት ዘይብሉ ሕጊ ብምጥቃስ ዝብፃሕ መደምደምታ እንትህሉ
- ንሕገመንግስቲን መትከላቱን ዝፃባእ እንትኸውን
- ሕጊ ክልከላ ዝገበረሎም ተግባራት ዝጠሓሰ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝተውሃበ ብሽም ትርጉምን ግልፂ ሕጊ ኣግባብነት ዘይብሎም ትርጉም
- ብምሃብ ሕጊ መሰረት ዘይገበረ ናይ መወዳእታ መዕለቢ እንትወሃብን ካልኦትን ከም መልዓሊ ብምውሳድ
-
እዚ ሰበር መጋእያ ንዝቐረበ መዝገብ ብ:
- 3ተ ዳኑ ወይ ድማ ብፍሉይ ምኽንያት ብ 5ተ ዳያኑ ክፃረ ይገበር ተፃርዩ
- መቕረቢ ነጥቢ እንተተረኺብዎ ብ 5ተ ዳያኑ ወይ ድማ እቲ ብ 5ተ ዳያኑ ዝተፃረየ እሞ የቅርብ ዝተብሃለ ብ 7ተ ዳያኑ ክትዕ ክስማዕ ተገይሩ ይውሰን
-
ብፍሉይ ምኽንያት ብፕረዚዳንት ላ/ቤት ፍርዲ ትግራይ ትርጉም ክወሃበሉ ዝተመርሐ መዝገብ እንተኾይኑ:
- እውን ብ 7ተ ዳያኑ ውሳነ ይወሃበሉ እዩ
- እቲ ዝተውሃበ ውሳነ ናይ መወዳእታን መገደዳይን ይኸውን እዚ ማለት ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ነዚ መሰረት ገይረን ይውስና
-
ዕላምኡ ድማ ኣብ ስርዓት ዳይነት እዚ ክልልን ተመሳሳሊ ዋኒናት ተመሳሳሊ ዕልባት ንምሃብ ወይ ውፅኢታዊ ኣተረጓጉማ ሕጊ ንክህበሉ ብምግባር ብታሕተዎት:
- ኣብያተ ፍርዲ ወይ ዳይነት ወሃብቲ ኣካላት ዝተፈፀሙ መሰረታዊ ስሕተት ሕጊ
- ብምእራም ክትትልን ቁፅፅርን ምግባር ከምኡ እውን ንምዕባለ ሕጊን ስነ ሕጊን ክልልናን ንምስራሕ
-
በዚ ኣቢልካ ድማ እቲ እንህቦ ግልጋሎት ዳይነት ተበፃሒ፣ ስሉጥ፣ ፅርየቱ ዝሓለወ፣ ነፃነትን ተሓታትነትን ብዘረጋግፅ መልክዑ ዕግበት ተገልገልቲ ወይ ዕግብት ሕ/ሰብ ብሰፊሑ ንምርግጋፅ ተሊሙ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ መጋባእያ ምዃኑ ክገልፅ እፈቱ፡፡