Public Defender Office
ቤት ፅሕፈት ተኸላኸልቲ ጠበቓታት
ኣቶ ገብረስላሴ ፍፁም
ሓላፊ ክፍሊ ተ/ጠበቓ
-
ሰብ ጉዳይ ብዝመረፀዎ ናይ ሕጊ ጠበቓ ናይ ምቋም ዓቕሚ ስኢኖም ፍትሒ ንከይጓደል ካብ መንግስቲ ጠበቓ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፡፡
-
ተኸላኸልቲ ጠበቓታት ብገበን ተኸሲሶም ብገንዘብ ሕፅረት ምኽንያት ጠበቓ ምቋም ንዘይኽእሉን ቤት ፍርዲ እቲ ክሲ ብዘይጠበቓ እንትግምት ብዝወሃብ ትእዛዝ ናብ ቤት ፅሕፈት ተኸላኸልቲ ጠበቓታት ንዝምርሑ ተኸሰስቲ ግልጋሎት ይህቡ፡፡
-
ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 332/2012 ዓንቀፅ 6 መሰረት:
- ብገበን ዝተኸሰሰ ሰብ ግልጋሎት ተኸላኻሊ ጠበቓ ይገበረለይ ኢሉ እንትሓትት፣
- ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ መረዳእታ እንተቕርብን ተመርሚሩ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ እንትረጋገፅን ተኸሳሲ ብዘይጠበቓ እንትተኸራኺሩ ፍትሒ ክጓደል ይኽእል ኢሉ ቤት ፍርዲ እንተኣሚኑ ብሕገ መንግስቲ ዝተውሃበ መሰል ነፃ ናይ ሕጊ ድጋፍ ብተኸላኸልቲ ጠበቓታት ይግበረሉ፡፡
-
ብተኸላኸልቲ ጠበቓታት ቤት ፅሕፈት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት:
- ናይ ምምኻር ኣገልግሎት
- ኣብ መጋባእያ ቐሪቡ ምክርኻር
- መረዳእታ ምዝግጃው /ምድላው/
-
ናይ ምምኻር ኣገልግሎት:
- ተኸሳሲ ብቤት ፍርዲ ናይ ውሕስና መሰሉ እንትፍቀደሉ እኹል ውሕስና ንከቅርብ ምምኻር
- ናይ ዓ/ሕጊ መረዳእታ ሚዛን እንትደፍእ ክሲ ኣሚንካ እኹል ዝኾነ መቃለሊ ቅፅዓት ምኽንያት ንምቕራብ ምምኻር፣
- ናይ ጥፍኣተኛ ውሳነ እንትወሃብ ምስ ተኸሰስቲ ብምምኽኻር ይግባኝ ናይ ምቕራብ መሰል ከምዘለዎ ምምኻር፣
- ተኸሳሲ ኣብ ቤት ህንፀት ማእኸል ኮይኑ ንክከራኸር ብይን እንትወሃብ፣ ተኸሳሲ ናብ ዝርከበሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ህንፀት ብምኻድ ኣገልግሎት ምሃብ፡፡ ቤት ፍርዲ ናይ ውሕስና መሰል ንዝሓለወሎም ተኸሰስቲ ድማ ነቲ ተኸሳሲ እኹል ዝኾነ ኣገልግሎት ንምሃብ ብቤት ፅሕፈት ብዝተመረሐሉ ተኸላኻሊ ጠበቓ መሰረት ኣገልግሎት ጠበቓ ምሃብ፡፡
-
ኣብ መጋባእያ ቐሪብካ ምክርኻር:
- ብሕጊ መሰረት ዝቐርብ ክሲ ናይ ተኸሰስቲ ናይ ውሕስና መሰል ዘኸልክል ኣይኮነን ተባሂሉ እንተተኣሚኑ ተኸሰስቲ ናይ ውሕስና መሰሎም ንክኽበር ምክርኻር፣
- ኣብ መጋባእያ ብምቕራብ ናይ ክሲ መቃወሚያ ምስማዕ ወይ ምክርኻር፣
- ንመሰኻኽር ዓ/ሕጊ መስቀለኛ ሕቶ ብምቕራብ መረዳእታ ምፅራይ፣ ንተኸሳሲ ናይ ሰብን መረዳእታን ምትእኽኻብ፣ ኣብ መጋባእያ ብምቅራብ ጭብጢ ምትሓዝን ምክርኻርን፣
- ኣብ ቅፅዓት ውሳነ ናይ ሕጊ ስሕተት እንትህሊ ስልጣን ንዘለዎ ይግባኝ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ቅሬታ ይግባኝ ምቕራብ፣
-
መረዳእታ ምድላው:
- ቤት ፍርዲ ተኸሳሲ ንኽከላኸል ብይን እንትህብ፣ ናይ ተኸሳሲ ክሲ ከቃልሉ/ነፃ/ ከውፅኡ ዝኽእሉ ናይ ሰብን ሰነዳትን መረዳእታታት ምድላው
- ብጥፍኣት ውሳነ ወይ ቅፅዓት ውሳነ ከምኡ እውን ኣብ ክልቲኦም ውሳነታት ይግባኝ ቅሬታ ምድላውን ምቕራብን፣
- ናይ ሕጊ ስሕተት ዝተፈፀመሎም ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝተውሃቦም ጉዳያት እንተጋጥሙ ንሰበር መጋባእያ ቅሬታ ሰነድ ምድላው፣