ርክብ ህዝቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ኣቶ ኣለማየሁ እሸቱ ቦጋለ
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ኣብ ምህናፅ ተገልገልቲ ሰናይ ምስሊ ቤት ፍርድና ጠመተ ብምግባር ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ርክብ ህዝቢ /PR TOOLS/ ብምጥቓም ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ብምስላጥን፣ ብዋናነት ድማ ነቲ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ፍርዲ ኣብ ተበፃሕነት፣ ሰለጤን ፅሬትን ፍትሓውነትን ብዝድግፍ መልክዑ ናይቲ ቤት ፍርዲ ስራሕትን ዕላማን ንደገ ብምፍላጥ ኣብ ህዝቢ ኣመኔታ ዘለዎ ገፅታ ምፍጣር እዩ፡፡
ቀንዲ ተግባራት
- • ምድላው ትልሚ ናይቲ ከይዲ ስራሕ ምድላው፡፡
- • ዝተሰርሑ ሰራሓቲ ናብ ፕረዚዳንት ንም/ፕረዚዳን ፀብፃብ ምቕራብ
- • ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒምካ ሓበሬታ ምእካብ
- • ብውፅኢት ሕትመት ኣቢልኻ ስራሕትን ምስልን ኣብያተ ፍርዲ ምቕራብ
- • ውፅኢት ኦድዮ ቪዥዋል (ኤሌክትሮኒክስ ሚዲያ) ተጠቒካ ምዝርጋሕ ሓበሬታ
- • መድረኽ ብምድላውን ዑደት ብምክያድን ሓበሬታ ምእካብ ግብረ መልሲ ምሃብን