ተልእኾ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብያተ ፍርዲ ክልል ትግራይ ናይ ዳይነት ነፃነትን ተሓታትነትን ሓልየን፣ ከይዲ ስራሕ ፍርዲ ተበፃሓይ፣ስሉጥ፡ሕጋዊ፣ውፅእታውን ፍትሓውን ብምግባር ፀጥታ፣ሰላም፣
ድሕንነትን ህዝብን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ናብ ዝተኣማምን ብርኪ ብምብፃሕ፣ ልዕልነት ሕጊ እናተጠናኸረ ክኸይድ ምግባር፡፡
ራእይ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2027 ዓ/ም ነፃ ስርዓት ስርዓት ዳይነት ብምስፋን፣ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዝተኸበሩላ ፣ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ትግራይ ምርኣይ፡፡
ዕላማ
-
• እቲ ስራዓት ፍትሒ ዝላዓለ ሞያዊ ብቕዓትን ስነ-ምግባርን ከምኡ እዋን ህዝባዊ ኣመኔታ ዘለዎምን ንሓለዋ ሕገ-መንገስታዊ ስርዓት ጠጠው ብዝበሉ ክኢላታት ዝተሃነፀ ክኸውን ምግባር፡፡
-
• ኣብ መትከላት ልዕልና ሕጊ ፣ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝተደረኸን ዝተዋሃደን ኣወሃህባ ስርዓት ፈትሒ ምስፋን፤
-
• ፍትሓዊ ፣ተገማታይ፣ተበፃሓይ፣ስሉጥን ውፅኢታዊን ስርዓት ፍትሒ ምስፋን።